30 ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ።
ሃሩር ብመዓልቲ፥ ኣስሓይታ ድማ ብለይቲ የሳቕየኒ ነበረ፤ ድቃስውን ካብ ዓይነይ ጠፊኡ ነበረ።
ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።
“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ንጉስ ኢዮኣቄም ዝገበሮ ሓጢኣት ገበረ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።