26 እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም።
በቲ ኤልዛቤል ንነቢያት እግዚኣብሄር ዘቕተለትሉ ጊዜ፥ ኣብድዩ ሚእቲ ነቢያት ወሲዱ፥ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፤ እንጀራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።)
ንሱ ኸዓ “ንሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።
ንሱ ኸዓ “ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ግና ኺዳንካ ሓዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፥ ንነቢያትካውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም፤ ኣነ ኸዓ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ሕዚ ድማ ንነፍሰይ ክወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ” በለ።
ንጉስ እስራኤል ድማ፥ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን፥ ናብ ወዲ ንጉስ ናብ ኢዮኣስን መሊስኩም ውሰድዎ።
ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ።
‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።
እግዚኣብሄር ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም፥ ምውፃእኻን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።
ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤ ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤ ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ።
ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤ ካብ መከራ ትሕልወኒ፤ ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ።
መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
ካብ ሻራ ኽፉኣትን፥ ካብ ብዝሒ ገበርቲ ዓመፅን ሰውረኒ።
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ።
ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም።
ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንባሮክ “ኪድ እሞ፥ ንስኻን ኤርሚያስን ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።
ሽዑ ኤርሚያስ ንባሮክ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኸልኪለ ኣለኹሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ ኣይክእልን።
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ።
ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ።
ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ምፅዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ዝሓዞ ኣይነበረን።
ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።