24 እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።
ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።
ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።
ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
ንስኻ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ከንቱ ትገብሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንፀሎት ተቃልሎ ኣለኻ።
ሓጢኣተኛ ንባዕሉ፥ ዘስሕት ነገር ይናገር፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።
ብመልሓሱ ጠቢሩ እዩ እሞ፥ ሓጢኣቱ ምስ ረኸበቶ ይፀልኣ።
ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።
ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኢድካ ልዕል ልዕል በለት፤ ግና ኣይረአዩን፤ ንህዝብኻ ዘለካ ቕንኣት ሪኦም ግና፥ ክሓፍሩ እዮም፤ ሓዊውን ንፀላእትኻ ኽትበልዖም እያ።
ድሕሪዙይ ኤልያቄም፥ ወዲ ኬልቅያ፥ ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ኢዮኣስ ወዲ ኣሳፍ፥ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም፥ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ተመለሱ። ዘረባ ራፋስቂስ ከዓ ነገርዎ።
ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።
እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።”