Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 36:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 36:23
18 Referencias Cruzadas  

‘ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ ነዝ ሰብ እዙይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንብርዎ፤ እንጀራ መከራ መግብዎ፤ ማይ መከራውን ኣስትይዎ፥ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።


ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።


ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።


ንምኽረይ ስለ ዘይፈተኹምዎን፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥


ንትእዛዝ ዝንዕቕ ብትእዛዛት ተትሒዙ ይጠፍእ፤ ትእዛዝ ዝፈርሕ ግና ብዳሓን ይነብር።


ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳብ ኣሎ፤ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር።


ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።


እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።


ሽዑ፥ “ከመይከ ንተግሳፅ ፀላእኽዋ? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝኣረሙኒ ዝነዓቕክዎም?


“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።


እቲ ንጉስ ነቲ ባሮክ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ዝፀሓፎ ቓል ዘለዎ ብራና ምስ ኣቃፀለ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።


መሊስካ ኻልእ ብራና ውሰድ እሞ፥ ነተን ኣብ ልዕሊ እታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ፥ ኵለን ቃላት ኣብኣ ፀሓፈን።


ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos