21 እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም።
እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
ሳፋን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ወሲኹ ንንጉስ፥ “ካህን ኬልቅያስ ሓደ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።
እቲ ሕልሚ ዝሓልም ነቢይ፥ ሕልሙ ይዛረብ፤ እቲ ቓለይ ዝተቐበለ ነብይ፥ ብሓቂ ቓለይ ይናገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓደ ይገበሮም? ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።
ኵሎም እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ንይሁዲ ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ሰለምያ፥ ወዲ ኵሲ፥ ናብ ባሮክ ልኢኾም “ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምፃእ” በልዎ። ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናብኣቶም መፀ።
ንሳቶም ድማ “ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና” በልዎ፤ ባሮክውን ኣንበበሎም።