Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 36:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ባሮክ ከዓ “እወ፥ እዝ ዅሉ ብኣፉ ይነግረኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ መፅሓፍ ብቐለም እፅሕፎ ነበርኩ” ኢሉ መለሰሎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 36:18
7 Referencias Cruzadas  

“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።


እቲ ንጉስ ነቲ ባሮክ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ዝፀሓፎ ቓል ዘለዎ ብራና ምስ ኣቃፀለ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።


ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።


ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።


ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos