16 ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ።
እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።
ብዛዕባ ነቢያት ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰብረ፤ ኣዕፅምተይውን ተናወፀ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን፥ ብምኽንያት ቅዱስ ቃሉን ከም ስኹርን፥ ከምቲ ወይኒ ዘሸነፎ ሰካራም ሰብን ኮንኩ።
እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።