15 ንሳቶም ድማ “ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና” በልዎ፤ ባሮክውን ኣንበበሎም።
እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ።
እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም።