14 ኵሎም እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ንይሁዲ ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ሰለምያ፥ ወዲ ኵሲ፥ ናብ ባሮክ ልኢኾም “ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምፃእ” በልዎ። ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናብኣቶም መፀ።
ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ።
“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።
እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም።
ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ።
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።
ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።
እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።