13 ሚክያስ ከዓ ባሮክ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ ከንብበሎም እንተሎ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንኣኣቶም ነገሮም።
እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።
እንሆ፥ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ መርገም ነቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቡሉ ንኢየሩሳሌምን ንህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ።
ሚክያስ፥ ወዲ ገማርያ ወዲ ሳፋን፥ ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥
እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።