Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 36:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ባሮክ ድማ ነቲ ቓል ኤርሚያስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣደባባይ “ሓዳስ በሪ” ብዝበሃል መእተዊ ቤተ መቕደስ ብዝርከብ፥ በቲ ፀሓፊ ወዲ ሳፋን፥ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ገማርያ ኾይኑ፥ ኣብ እዝኒ ዅሉ ህዝቢ ኣንበቦ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 36:10
17 Referencias Cruzadas  

ሱሳም ድማ ፀሓፊ ነበረ፤ ሳዶቅን ኣብያታርን ከዓ ኻህናት ነበሩ፤


ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤


ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ኣፀድ ሰርሐ፤ ነቲ መንደቑ ሰለስተ መስርዕ ብፅሩብ እምኒ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ዝግባ ገይሩ ሰርሖ።


ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ።


ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያ ኣዛዚ ቤትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ዮኣሳ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ሕዝቅያስ መፁ እሞ ዘረባ ራፋስቂስ ነገርዎ።


ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብ ሻምናይ ወርሒ እቲ ንጉስ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ፥ ወዲ ኤዜልያስ ወዲ የሜሶላም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ለኣኾ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦


ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።


ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት።


ነታ መልእኽቲ ብኢድ እቶም ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሳፋንን ገማርያ ወዲ ኬልቅያስን ለኣኻ፤ እታ መልእኽቲውን ከምዙይ እትብል ነበረት፦


ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ።


ሚክያስ፥ ወዲ ገማርያ ወዲ ሳፋን፥ ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥


ኤልናታንን ደላያን ገማርያን፥ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸየቃፅላ ንንጉስ ለሚኖምዎ እንተ ነበሩ እኳ፥ ንሱ ኣይሰምዖምን።


ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም።


ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ልክዕ ከምቲ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ፥ ካብቲ መፅሓፍ ቃል እግዚኣብሄር ኣንበበ።


ካብታ ኸተማ ኸዓ፥ ንሓደ ነቲ ኣዛዚ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሸውዓተ መማኽርቲ ንጉስን፥ ነቲ ንህዝቢ እታ ሃገር፥ ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ፀሓፊ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ኻልኦት ስሳ ሰብኡትን ወሰደ።


ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos