8 ንሕናውን ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ቓል ፈፂምና ኢና፤ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ድማ ብዅሉ ዘመንና ፈፂምና ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።
ለባም ውሉድ ተግሳፅ ኣቦኡ ይሰምዕ፤ መላገፂ ግና ተግሳፅ ኣይሰምዕን።
ወደይ፥ ስማዕ፤ ንቓለይ ድማ ተቐበል፤ ዓመታት ዕድሜኻውን ክነውሕ እዩ።
ወደይ፥ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፤ ንሕጊ ወላዲትካ ኸዓ ኣይትሕደግ።
ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።