Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 35:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6-7 ንሳቶም ግና “ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ‘ኣባይቲ ኣይትስርሑ፤ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ፤ ኣይተጥርዩውን፤ ኣብታ ኣጋይሽ ኴንኩም እትነብሩላ ዘለኹም ሃገር፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኵሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፤ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 35:6
21 Referencias Cruzadas  

እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃደን ዝፈልጥ ሰብኣይ በረኻ ኾነ። ያእቆብ ከዓ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብ ኮነ።


ጥሪቶም በዚሑ ስለ ዝነበረ ብሓደ ኽቕመጡ ኣይከኣሉን። ብዝሒ ኸፍቲ ስለ ዝነበሮም ድማ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ምድሪ ኽትኣኽሎም ኣይከኣለትን።


ኢዩ ኻብኡ ምስ ሓለፈ፥ ንኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ መንገዲ ረኸቦ፤ ሰላም ምስ በሎ ድማ “ኣነ ኸምቲ ናትካ እየ ዝሓስብ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ሓሳባተይ ድዩ ሓሳብካ?” በሎ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ፥ ከምኡ እዩ” በሎ። “ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸዓ ናብኡ ኣደየቦ።


ሽዑ ኢዩ ምስ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ፥ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣተዉ እሞ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል “ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ሓደ ኸይህሉ ኣስተብሂልኩም ረአዩ” በሎም።


ሽዑ ብቝፅሪ ውሑዳት ነበሩ፤ ውሑዳትን ኣብኡውን ስደተኛታትን ነበሩ።


እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።


እዙይ ዝኾነ ንሳቶም ስደተኛታት፥ ብቝፅሪውን ውሑዳት ሰባት፥ እንተለዉ እዩ።


“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።


ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር፤ ኵሉ ኣቦና ኢዮናዳብ ዘኣዘዘና ጌርና ኢና።


እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን።


“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።


ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።


ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ።


ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos