4 ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ።
ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሳማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦
ኢዮርብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ድማ፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ቤቴል መፀ።
እቲ ኻብ መንገዱ ዝመለሶ ነቢይ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ “ንሱ እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝኸድዐ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ዘረባ ድማ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ሰቢሩ ኸዓ ቐተሎ” በለ።
ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።
ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።
እቲ ንጉስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳ ሰባት ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸዓ ኤልያስ ኣብቲ ርእሲ እቲ ዀረብታ ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንጉስ ‘ውረድ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ።
ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም።
ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ።
ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ነታ ብናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተነግረቶ ቦታ ይሕልዋ ነበረ። ኤልሳዕ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ እሞ፥ ኣብኡ ርእሱ ኣድሓነ።
እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ዋና ሓሽከሩ ነቲ ኣፍ ደገ ኽሕሉ ኣቖሞ። ግና እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ፥ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተዛረቦ ቓል፥ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረጊፆም ቀተልዎ።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፥ ኣብ ዙርያ ቤት እግዚኣብሄር ይሓድሩ ነበሩ፤ ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ ሓላፍነቶም ነበረ።
ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም።
ካብ ኣእላፍ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣደባባያትካ ትሐይሽ፤ ስለዙይ ኣብ ኣባይቲ ሓጥኣን ካብ ምንባርስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ።
ናይ ይሁዳ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንጳስኮር ወዲ መልክያን ነቲ ኻህን ሶፎንያስ ካህን መኣስያን “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ‘ክዋግአኩም እየ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ኾነስ፥ እስኪ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኽብልዎ ናብ ኤርሚያስ ምስ ለኣኾም፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።
ሽዑ ያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስን ወዲ ከባስን፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ኣወዳት ደቁን፥ ንዅሎም ሬካባውያንን ወሰድክዎም።
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።
ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ።
መንደቕ ጥራሕ ኣብ መንጎይን መንጎኣቶምን ክሳዕ ዝኸውን፥ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፥ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ፤ በዝ ዝገበርዎ ርኽሰት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ፤ ስለዙይ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብ ኤሊ መፂኡ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ፈርዖን እንተለዉ፥ ንነገድ ኣቦኻ ብርግፅ ተገሊፀሎም ነይረ።