2 ናብ ቤት ሬካባውያን ኪድሞ ተዛረቦም፤ “ካብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ካብ ዘለዉ ኽፍልታት ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ኣእትዎም፤ ወይኒ እውን ኣስትዮም” በለኒ።
ኣብ ኵሉ ፀግዒ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፤ ምስቲ ቤተ መቕደስ ከዓ ብሉሕ ዝግባ ኣጋጠምዎ።
ደገ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቤት፥ ብወገን የማን እቲ ቤተ መቕደስ ነበረ፤ ናብቲ ማእኸላይን ሳልሳይን ደብሪ ድማ ብዝተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።
እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ።
ከምቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ድማ ንድፊ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ኣቑሑ ዝቕመጠሉ ኣብ ዙርያ ዘለዋ ኽፍልታትውን ሃቦ።
እዞም ኣርባዕተ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ደገ ሌዋውያን ነበሩሞ። ሓለፍቲውን ንሳቶም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ክፍልታትን መዛግብትን ከዓ ምሩፃት ነበሩ።
ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ።
ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ግራም ወርቂ ዝወድአ ሽንካራት ከዓ ገበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን።
ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕኸን ክስራሕ ኣዘዘ፤ ንሳቶም ከዓ ሰርሑ።
ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልዉን” በልክዎም።
መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ኣቑሑን ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዓስራት፥ እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደገታት ዝተኣዘዘሎምን፥ እቲ ንኻህናት ዝውፈ መስዋእትታትን፥ ዘንብሩሉ ዝነበሩ ዓብዪ ኽፍሊ ኤልያሴብ ንጦብያ ሂብዎ ነበረ።
ሽዑ ያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስን ወዲ ከባስን፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ኣወዳት ደቁን፥ ንዅሎም ሬካባውያንን ወሰድክዎም።
ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ።
ንሕናውን ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ቓል ፈፂምና ኢና፤ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ድማ ብዅሉ ዘመንና ፈፂምና ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።
ኣብተን ክፍሊ ንብረታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕምድን፥ ብዅሉ ዙርያአን ዓይኒ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን፤ ከምኡውን ኣብተን ገበላታት፥ ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያአን መሳዅቲ ነበረን፤ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕምዲ ከዓ ስየታት ነበረ።