16 ደቂ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ነቲ ኣቦኣቶም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈፂሞምዎ እዮም፤ እዝ ህዝቢ ግና ኣይሰምዐንን።
ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።
ብዕራይ ንዋናኡ፥ ኣድጊውን ናይ ጐይታኡ መብልዒ ኸፍቲ ይፈልጥ፤ እስራኤል ግና ኣይፈለጠን፤ ህዝበይውን ኣየስተውዓለን።
እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን።
እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።