12-13 ሽዑ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኪድሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ “ቃለይ ንምስማዕስ ተግሳፅዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም?” ይብል እግዚኣብሄር።
ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ።