Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 35:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 35:1
14 Referencias Cruzadas  

ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።


ኢዮኣቄም ከዓ ንኒካዑ ንጉስ ግብፂ ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ከምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ብፅሒቱ ኣኽፈሎ።


ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።


ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።


ብመጀመርታ ዘመን መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፤


ኮነ ኸዓ ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።


ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ።


ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ህዝብን፥ ኵላቶም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ህዝብን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፆም ክፆሙ ኣወጁ።


ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦


ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos