8 ንጉስ ሴዴቅያስ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፥ ሓርነት ባሮቶም ክእውጁ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ።
ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ።
በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”
“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን?
ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።
ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።
“ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ።