5 ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብሰላምውን ክትቅበር ኢኻ፤ ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምፅኦ ዅሉ መከራ ድማ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ።
ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’
ሬስ። እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ብዛዕባኡ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣብ ፅላሉ ብህይወት ክንነብር ኢና፤ ዝበልናዮ ህይወት እስትንፋስና፥ ኣብ ጕድጓዶም ተትሓዘ።
“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ።
ሽዑ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ፤ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።
ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ።