Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 34:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 34:4
7 Referencias Cruzadas  

ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።


ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ኵልኻትኩም ዓሌት ቤት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤


ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”


ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።


ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦


ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos