3 ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን።
ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’
ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን።
ግናኸ ንሱ ኻብኡ ኸድዐ፤ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ፥ ልኡኻቱ ናብ ግብፂ ሰደደ፤ ክሰልጦ ድዩ? ኸምዙይ ዝበለ ዝገብርከ ኸምልጥ ድዩ? ጠላሚ ኺዳንከ የምልጥ ድዩ?
“ኣነ ህያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፥ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ ኺዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፥ ምስኡ ኾይኑ ኣብ ማእኸል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ።
“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥