2 ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ።
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። ብዙርያኣ ድማ ዕርዲ ነደቑላ።
ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን።
ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።