19 ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥
ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ።
ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።
ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ።
ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥
ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።
ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና።