Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 34:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 34:18
10 Referencias Cruzadas  

ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን።


ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።


ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።


“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።


መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።


ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።


“ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥


ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣተወልኩም ቃል ኪዳን እንተ ጠለምኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉን ክትሰግዱሎምን ድማ እንተ ኸድኩም፥ ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፤ ካብታ ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ድማ ቐልጢፉ ኸፍልሰኩም እዩ።”


ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos