14 ‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን።
ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን።
ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን መመሓደርትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።
ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም።
ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።
ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን?
ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።
ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ፤ ምስማዕ ከዓ ኣበዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ርኽሰት ዓይኑ ኣይደርበየን፤ ጣዖታት ግብፂውን ኣይሓደገን፤ ሽዑ ኣብ ማእኸል ምድሪ ግብፂ፥ ቍጥዓይ ክወፀሎምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክኽዑ እየ በልኩ።
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
“ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ።
ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ፤ ካብዝ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድሕነኒ እዩ?
“ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ናይ ዕዳ ምሕረት ግበር።
“ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ።
‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ።