Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 34:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 34:11
25 Referencias Cruzadas  

ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።


ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።


ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።


ናይ ኣምላኽ ነጐድጓድን በረድን በዚሑ እዩሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀልዩ፤ ክሰደኩም እየ፤ ደጊም ኣብዙይ ኣይትቕመጡን ኢኹም” በሎም።


ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፥ ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ።


ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።


ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም።


ስለዙይ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፤


ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም።


ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።


ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?


ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”


ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”


ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ።


ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos