10 ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም።
ዕብራዊ ኣገልጋሊ እንተ ዓደግካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ይገዛእኻ፤ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውፃእ።
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።
ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም።
ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።
ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥
ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።
ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ፤ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ነፃነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት ኢዮቤልዩ ትኹነልኩም። ኵሉ ሰብ ነናብ ርስቱን ነናብ ወገኑን ይመለስ።
ዮሃንስ፥ ቅዱስን ፃድቕን ሰብ ከም ዝኾነ ንጉስ ሄሮድስ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ይፈርሖን ይሕልዎን ነበረ። ሄሮድስ ዘረባ ዮሃንስ እንትሰምዕ የመና ይጭነቕ ነበረ፤ ይኹን እምበር እናተሓጐሰ ይሰምዖ ነበረ።