5 ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።
ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
ካብ ቤት ያእቆብ፥ ገፁ ንዝመለሰ እግዚኣብሄር እፅበ ኣለኹ፤ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”
ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።
ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓይ ኣብኣቶም ክነደድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይውን ክሓብአሎም እየ፤ ክጠፍኡ ድማ እዮም፤ ብዙሕ ጕድኣትን መከራን ክረኽቦም እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየሎዶ ኣይኮነን እዝ ጕድኣት እዙይ ረኺቡና ዘሎ?’ ኽብሉ እዮም።
በቲ ዅሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስጋድ ዝገበርዎ ኽፉእ ኸዓ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገፀይ ፈፂመ ኽሓብእ እየ።
በለ ድማ፦ ‘ንሳቶም ከዳዓት ትውልዲ፥ እምነት ዘይብሎም ውሉድ እዮም እሞ፥ ገፀይ ክሓብአሎም እየ፤ መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።’