3 “ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ።
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤ ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን? ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ንዓርኩን እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ መለሰ? እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ ተዛረበ?’ ደኣ ይበል።
ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?
ዳንኤልን ብፆቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይቕተሉ፥ ብዛዕባ እዙይ ኣምላኽ ሰማይ፥ ምሕረት ንኽገብረሎምን ምስጢሩውን ንኽገልፀሎምን ንኽፅልዩ ኣፍለጦም።
ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።
ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፥ ነቲ ሕልሚ ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፥ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፥ ሕዚ እውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለፅካለይ፥ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ።”
ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።
ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።
ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’
ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
እምበኣር፥ በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን፥ እምብዛ ኣብዚሑ ኽገብር ንዝከኣሎ፥
ኣብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ደሊኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’