Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 33:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 33:26
17 Referencias Cruzadas  

እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።


ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም።


ካህናትን ሌዋውያንን ገሊኣቶም ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ከዓ ኣብ ከከተማኣቶም፥ ኵላቶም እስራኤልውን ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።


እግዚኣብሄር ንምርኮ ፅዮን ምስ መለሰ፥ የመና ሕጉሳት ኮንና።


እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።


ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።


ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ብሓቂ ኤፍሬም ንኣይ ዝኸበረ ውሉድ ድዩ? ወይ ከዓ ዝተፈተወ ህፃን ድዩ? ኣንፃሩ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ እዝክሮ ኣለኹ፤ ስለዙይ ኣምዑተይ ተሃወኸትሉ፤ ርህራሀውን እርህርሀሉ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


እታ ፀሓይ ብመዓልቲ ኽተብርህ፥ ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ብለይቲ ኸብርሁ ዝሓገገ፥ እቲ ንባሕሪ እውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናውፅ፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦


ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሕዚ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፥ ንዅላ ቤት እስራኤል ከዓ ኽምሕራ፥ ስለ እቲ ቕዱስ ስመይ ድማ ኽቐንእ እየ።


ንቤት ይሁዳ ግና ኽምሕሮም እየ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፥ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትን ኣይኮነን በሎ።


ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።


“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።


እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos