25 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ መዓልትን ምስ ለይትን ዘሎ ኺዳነይ እንተ ዘየፅኒዐ፥ ንሰማይን ምድርን ዝሓገግክዎ ስርዓትውን እንተ ዘየፅኒዐ፥
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
ንወርሒ መፍለዪ ጊዜታት ገበርካ፤ ፀሓይውን ዝዓርበሉ ይፈልጥ እዩ።
ኵሎም ኣገልገልትኻ እዮምሞ፥ እቲ መዓልቲ ብትእዛዝካ ይነብር።
ንዘለኣለመ ኣለምውን ኣቖሞም፤ ትእዛዝ ሃቦም፤ ኣይሓልፉንውን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥