23 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ዘይቝፀር፥ ሑፃ ባሕሪ እውን ዘይስፈር፥ ከምኡ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ንኣገልገልተይ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።”
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።