20 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
ንዘለኣለመ ኣለምውን ኣቖሞም፤ ትእዛዝ ሃቦም፤ ኣይሓልፉንውን።
ኪዳነይውን ኣየርክስን፤ ካብ ኣፈይ ዝወፀውን ኣይልውጥን።”
ንዘለኣለም ከም ወርሒ ይፀንዕ፤ ምስክርነቱውን ኣብ ሰማይ ዝተኣመነ እዩ።”
“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።