2 ስሙ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንምድሪ ዝፈጠራን ዝመስረታን ዘፅንዓን እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እግዚኣብሄር ንፅዮን ክሓንፃ እዩ እሞ፤ ብኽብሩውን ኽግለፅ እዩ።
ሰብ እኖና ፅዮን ይብል፤ ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወለደ፤ እቲ ልዑልውን ባዕሉ መስረታ።
እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፤ ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ።
ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ‘ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ብዝብል ስም እየ ዝተገለፅኩሎም። ‘እግዚኣብሄር’ ብዝብል ስመይ ግና ኣይተገለፅኩሎምን።
ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።
“ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
እወ፥ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘፅንዓ፥ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ፥ ዕረፍቲ ኣይተሃብዎ።
እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም።
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ግደ ያእቆብ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ንሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ኦሪዮን ንዝተብሃለ ኾከብን ዝፈጠረ፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ናብ ወጋሕታ ንዝልውጥ፥ ንመዓልቲ ኸዓ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገበሮ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ፥ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
ንሱ ነደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሐ፥ ንጠፈር ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ ንሱ እዩ፤ ስሙውን እግዚኣብሄር እዩ።
ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።
እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።