19 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
ካብ ሌዋውያን ካህናትውን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንምቕራብ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ንምቅፃል፥ ካልእ መስዋእቲ ንምስዋእ፥ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ኣይሰኣንን።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥