17 ካብ ዳዊት፥ ኣብ ዙፋን ቤት እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይሰኣንን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እዙይ ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ዅላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፤ ኣብ ቤት ኢዮኣብ ድማ ዝመግል ቍስሊ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ብምርኩስ ዝኸይድ ሓንካስ፥ ብሰይፊ ዝቕተል ወይ ዝበልዖ ዝሰኣነ ጥሙይ ኣይሰኣን” በለ።
መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ።
ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።
እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብትእዛዛተይ እንተ ነበሩ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቋርፀልካን እየ’ ኢልካ ዝተዛረብካዮ ሓሉ።
ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ።
ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ሕዚ ድማ፥ ቤተይ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነብር፥ ክትባርኻ ፈቒድካ ኣለኻ።”
ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክርነተይን እንተ ሓሊዮም፥ ደቆም ኣብ ዙፋንካ ንዘለኣለም ክቕመጡ እዮም።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።
‘ካብ ወገን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንዘለኣለም ኣይሰኣንን እዩ’ ይብል ኣሎ።”