13 ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም።
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”
ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፥ ናብ መእሰሪ ኪዳን ከዓ ኸእትወኩም እየ።
ካብ ኵሉ ኸፍቲ ኻብ ዓሰርተ ሓደ፥ ካብቲ ትሕቲ በትሪ እቲ ጓሳ ዝሓልፍ፥ በጊዕን ጤልን ድማ ኻብ ዓሰርተ ሓደ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይኸውን።
እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።
“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?