9 ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከዓ ኻብ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ፤ ዋጋኣውን ዓሰርተ ሸውዓተ ቕርሺ ብሩር መዚነ ሃብክዎ።
እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ረወያ፥ እቲ ሰብኣይ ሓሙሽተን ፈረቓን ግራም ዝሚዛኑ ወርቂ ቐለቤት፥ ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂ ኣውፂኡ ድማ ኣብ ኣእዳዋ ገበረላ።
እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ።
እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ።
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።
ብዕራይ፥ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፥ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ይኽፈሎ። ነቲ ብዕራይ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ።
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሰቕሊ ይኹን። በብጊዜኡ ኽትበልዖ ኢኻ።
ኣነ ኸዓ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩርን፥ ብዅንታልን ፈረቓን ስገም ዓደግክዋ።