8 ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።
ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ።
ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
ካብ ነገድ ብንያምውን ንጌባን ምስ መዋፈሪኣታን ንጋሌማትን ምስ መዋፈሪኣታን ንዓናቶት ምስ መዋፈሪኣታን ሃብዎም። ኵለን ከተማታቶም ከዓ ኸም ዓሌታቶም ዓሰርተ ሰለስተ ነበራ።
ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥
በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ።
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
“እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።”
ኤርሚያስ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብኡ መፀ፦
ኤርሚያስ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ብፅሒት ርስቱ ኽቕበል ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ክኸይድ ተልዓለ።
ኣነ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፤ ንጓዓዘይ፥ ከም ጓዓዝ ስደት ገይረ፥ ብመዓልቲ ኣውፃእኽዎ፤ ምሸት ከዓ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ፀልመተ ድማ፥ ኣብ ማእገረይ ፀይረ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣውፃእኽዎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።
ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ “ወድኻ ሓውዩ እዩ” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ።