7 “እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።”
እግዚኣብሄር ድማ ንኣኪያ “እኒሃ ሰበይቲ ኢዮርብዓም ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዳ ኽትጥይቐካ ትመፅእ ኣላ። ንሳ ኻልእ ሰበይቲ መሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፥ ከምዙይ ከምዙይ ኢልካ ተዛረባ” በሎ።
ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥
ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥
ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦
ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።
ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
መሬት ክሽየጥ እንተሎ እቲ ናይ ቅድም ዋናኡ መሊሱ ኽዕድጎ ግቡእ ኸም ዝኾነ ይፈለጥ።
ሓደ እስራኤላዊ ሓውካ ተሸጊሩ ኻብ ርስቱ እንተ ሸጠ፥ ዝቐርቦ ዘመዱ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ርስቲ ኸፊሉ ይምለሶ።
ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘለዋ ግራውቲ ግና፥ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እየን እሞ ኣይሸየጣ።
ሓወቦኡ ወይ ወዲ ሓወቦኡ ወይ ካብ ዓሌቱ ሓደ ዘመዱ ይቤዘዎ፤ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፥ ንባዕሉ ይቤዘዎ።
ንደቂ እስራኤል፥ ካብቲ ዝወርስዎ ምድሪ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ምድሪ ንሌዋውያን ይሃብዎም።