6 ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦
ኦርና ድማ “ጐይታይ ንጉስ! ናባይ ናብ ኣገልጋሊኻ ስለ ምንታይ መፃእኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እዝ መቕሰፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኽኽልከል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ ኻባኻ ኽዕድግ እየ መፂአ” በሎ።
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።”