42 “ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን፥ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ቃል ዝፍፅመለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንስም ንደስታ ንምስጋና ንኽብሪ ኽትኮነኒ እያ፤ ካብቲ ዅሉ ኣነ ዝህባ ሰናይን ሰላምን ዝተልዓለ ድማ፥ ክፈርሑን ከንቀጥቅጡን እዮም።”
ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ?
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”