Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 32:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 32:41
16 Referencias Cruzadas  

ተኽሊ ወይኒ ካብ ግብፂ ኣምፃእኻ፤ ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ንኣኣ ተኸልካያ።


ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።


ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ምድርኺ ኸዓ ድሕሪ ደጊም፥ ዑና ኣይትብሃልን እያ። እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ፥ ምድርኺውን ሰብኣይ ክተእቱ እያሞ፥ ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ።


ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።


ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።


ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥


ዓይነይውን ንፅቡቕ ኣብ ልዕሊኣቶም ክገብር እየ፤ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንፆም እምበር ኣየፍርሶምን፥ ክተኽሎም እምበር ኣይነቕሎምን እየ።


ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕኹዎ፥ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮ ድማ እየ።”


ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።


ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸቶ ኣይንቀሉን፤ ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።”


ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።


እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ከሀብትመኩምን ከብዝሐኩምን ብኣኻትኹም ደስ ዝበሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብምጥፋእኹምን ፋሕ ብምባልኩምን ደስ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ክትንቀሉ ኢኹም።


ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም፥ ኣብዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ዝተፅሓፈ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ እንተ ሓሊኹም፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ተመሊስኩም፥ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትኩም ተሓጕስዎ ዝነበረ፥ መሊሱ ንኣኻትኩም ፅቡቕ ብምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ተግባር ኢድኩምን ውሉድኩምን ፍረ እንስሳኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክባርኸልኩም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos