39 ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።
“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።
መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ንትእዛዛቱውን ዝሕሉ ሰብ የመና ብፁእ እዩ።
ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ምርሐኒ፥ ብሓቅኻ ክኸድ እየ፤ ስምካ ንምፍራሕ፥ ልበይ ደስ ይብሎ።
ኵሉ መዓልቲ ደኣ ፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ይሃሉኻ እምበር፥ ልብኻ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።
ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።
ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
ኣብታ ምድሪ ኣብ እምባታት እስራኤል ከዓ፥ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፤ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኽልተ ህዝቢ ኣይኾኑን፤ ድሕሪዙይውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይምቀሉን እዮም።
ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።
ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።
ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።
ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።
እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።
እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
እቶም ዝኣመኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ንብረቶም ብምሉኡ ናይ ሓባር ደኣ ነበረ እምበር፥ ካብኣቶም ሓደኳ እዙይ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን።
ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ።
እቲ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብኣይ፥ ምእንቲ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፤ እታ ኣማኒት ዘይኮነት ሰበይቲ እውን፥ ምእንቲ ኣማኒ ሰብኣያ ተቐዲሳ እያ እሞ፤ ከምኡ እንተ ዘይኸውን፥ ደቆም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፤ ሕዚ ግና ተቐዲሶም እዮም።
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!
ንስኻትኩምን ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ምሉእ ዕድሜኹም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ፥ ዕድሜኹም ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ሓልዉ።
ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ሰናይ ክኾነልና፥ ከምዝ ሎሚ ዘሎናዮ ኸዓ ምእንቲ ብህይወት ከንብረና፥ እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ ትእዛዛት ክንፍፅም፥ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ክንፈርሖ ኣዘዘና።
እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።