Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 32:35 - መፅሓፍ ቅዱስ

35 ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 32:35
33 Referencias Cruzadas  

እዙይ ከዓ ንኣይ ሓዲጉ ንኣስታሮት፥ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፥ ንሞሎክ ኣምላኽ ደቂ ኣሞን ስለ ዝሰገደ፥ ከም ዳዊት ኣቦኡ ገይሩ ኸዓ እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነን እቲ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ክገብር ብመንገደይ ስለ ዘይከደ እዩ።


ሽዑ ሰሎሞን ንርዅሰት ሞኣብ ንካሞሽ ንርዅሰት ደቂ ኣሞን ንሞሎኽ መስገዲ ዝኸውን ኣብ መንፅር ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ዀረብታ ሰርሐ።


ብሰንኪ እቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ከዓ ዘሕጥኦምን፥ ንእስራኤል ክድርብዮም እዩ” በላ።


ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብመንገዲ ኣቦኡን ንእስራኤልውን ብዘስሓተሉ ሓጢኣት ከደ።


ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ንእስራኤል ስለ ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ፥ ብመንገዲ ኢዮርብዓምውን ስለ ዝከደ ሞተ።


ስለ እቲ ዘቘጣዕኻንን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮምን፥ ንገዛኻ ኸም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያን ከጥፍኣ እየ።


“ምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዘፀይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን፥ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦምን፥


ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።


ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።


ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ።


ግና ኸምቲ ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ንእስራኤል ናብ ጥፍኣት ዘስሓተሉ ሓጢኣት ጠበቐ እምበር ካብኡ ኣይረሓቐን።


ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።


ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ።


ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ።


ሙሴ ንኣሮን “እዝ ዓብዪ ሓጢኣት ዘምፃእኻሉስ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ገበረካ?” በሎ።


ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን?


በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።


ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።


ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።


“ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ።


ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ዘምየን እየን እሞ፥ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፤ ምስ ጣዖታተን ዘምየን፥ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፥ ሓዊ ኽበልዖም ብእኡ ኣሕለፋኦም።


ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


ንስኻትኩም ነቶም ክተምልኽዎም ኢልኩም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን ሞሎኽን ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም፥ ምሳኻትኩም ዝተማላእኹም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ባቢሎን ንንየው፥ ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።’


ንኣማልኽቶም ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዘፀይፍ ነገር ይገብሩሎም እዮም። ንኣማልኽቶም ኣወዳቶምን ኣጓላቶምንውን ብሓዊ የቃፅሉሎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ።


ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥


ስለ ዝረኸሰት እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፥ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን እዩ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ ሓጢኣት ኣይተምፅኡላ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos