34 ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ።
ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት።
ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ።
ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ።
ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ።
ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።
“ነቢይን ካህንን ረኸሱ፤ ኣብ ቤተ መቕደስውን እንተይተረፈ፥ ክፍኣቶም ሪአ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።
ንስኻትኩም ሎሚ ተመሊስኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ንብፃዩ ሓራ ምውፃእ ብምእዋጅኩም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ድማ፥ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣተኹም።
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
መፂእኹምውን ስመይ ኣብ ዝተፀውዐሉ ኣብዝ ቤት እዙይ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይምኩም፥ እዝ ፅዩፍ ዝኾነ ነገር ኣይገበርናን በልኩም።
“ደቂ ይሁዳ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበሩ፤ ዘፀይፍ ጣዖት ኣብኡ ብምቕማጥ ከዓ፥ ነቲ ብስመይ ዝተሰምየ ቤት ኣርከስዎ።
ኣነ ኸቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሓሰብክዎን፥ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኸንድዱ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም ንቶፌት መስገዲ ዀረብታ ሰርሑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።