33 ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።
ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”
ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ።
ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥
ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
ሕዚ ኸዓ እዝ ዅሉ ስለ ዝገበርኩም ኣንጊሀ ተሲአ ተዛረብኩኹም፤ ኣይሰማዕኹምን፤ ፀዊዐኩምውን ኣይመለስኩምን።
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፥ ተግሳፅ ከዓ ዘይቕበሉ ህዝቢ እዚኣቶም እዮም። ሓቂ ጠፊኣ እያ፤ ካብ ኣንደበትኩምውን ርሒቃ እያ፤ ክትብሎም ኢኻ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።”
ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን፥ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ገፆም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንፀሓይ ይሰግዱ ነበሩ።
ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤ ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።
“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።