32 እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ።
ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ በደልና ዓብዪ እዩ። ብሰንኪ ሓጢኣትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፥ ሎሚ ኸም ዝኾነ፥ ንሰይፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገፅን ክንከውን ድማ ኣብ ኢድ ባዕዳን ነገስታት ምድሪ ተደርበና።
ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
“ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን?
ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ?
እንሆ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ።
ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ።
ነቶም ንነገስታትናን ነሕሉቕናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርናን ብስምካ ዝተዛረቡ ባሮትካ ነቢያት ኣይሰማዕናዮምን።
ኦ ጐይታ፥ ፅድቂ ንኣኻ እዩ፤ ንኣና ግና ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ፥ ብሰንኪ እቲ ንኣኻ ዝበደልዎ በደሎም፥ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዋ ሃገራት፥ ፋሕ ዘበልካዮም ኵሎም እስራኤላውያን ዝበፅሐና ሕፍረት እዩ። እዙይ ከዓ ንሳቶም ንኣኻ ስለ ዝጠለሙ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ንሕናን ነገስታትናን፥ ኣሕሉቕናን ኣቦታትናን፥ በደልና፤ ሓፍረት ገፅውን ተኸደንና።