Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 32:31 - መፅሓፍ ቅዱስ

31 እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 32:31
17 Referencias Cruzadas  

ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ።


ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ።


እግዚኣብሄር ድማ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ነዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ከዓ ኽድርብየን እየ” በለ።


ስለዙይ ንኣኻትኩም ፈፂመ ኽርስዐኩም እየ፤ ከምኡውን ንኣኻትኩምን ነታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ኸተማን፥ ኣብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ።


ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ።


ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።


ብሰንኪ ሓጢኣትናን ብሰንኪ በደል ኣቦታትናን፥ ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መፃረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኴንና ኢናሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ንቝጥዓኻን ንመዓትካን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌምን፥ ካብታ ቕድስቲ እምባኻን ክትምልስ እልምነካ ኣለኹ።


“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos